ንሃገር ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ልምዓትን ዲያስፖራ ልዑል እጃም ኣለዎ – ኣምባሳደር ዑመር ሁሴን (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንሃገር ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ልምዓትን ክቀላጠፍ ዲያስፖራ ልዑል እጃም ኣለዎ ክብሉ በዓል ሙሉእ ስልጣን ፍሉይ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ኣምባሳደር ዑመር ሁሴን (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ካብ ኩሎም ከባቢታት ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተረኸብሉ ሰሙን ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኣቡዳቢ እናተኸበረ ይርኸብ።
ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ቢዝነስ ንምትእስሳር ዝዓለመ ቢዝነስ ፎረም ተኻይዱ፡፡
ሰሙን ኢትዮጵያዊያን ኣካል ፈስቲቫል ዝኾነ ቢዝነስ ፎረም ዝኸፈቱ ኣምባሳደር ዑመር ሑሴን (ዶ/ር)፤ ንሃገር ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ልምዓትን ክቀላጠፍ ዲያስፖራ ልዑል እጃም ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡
ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ዲያስፖራ ንምዕባይ ብዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢት ምምፅኡ ብምሕባር፤ እዙይ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ተመሳሳሊ ቢዝነስ ፎረም ምክያድ ከምዝደሊ ገሊፆም።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣቡዳቢ ቤት ምኽሪ ኢንዳስትሪን ንግዲ ብምትሕብባር ኣብታ ከተማ ዝተዳለወ ሓበራዊ ቢዝነስ ፎረም እንትካየድ፤ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ንግዲ ዘፈራት ንግዲን ቻምበር ንግዲ ኣቡዳቢ ብምትሕብባር ንምስራሕ መረዳድኢ ሰነድ ተፈራሪሞም፡፡
ብሳምራዊት ተወልደ