ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምርካባ ንሰላም እቲ ከባቢ ልዑል ረብሓ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምርካባ ንሰላም እቲ ከባቢ ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ነበር ኣባላ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ፔቲ ኦፊሰር ወንድወሰን ኣሰፋ ገሊፆም፡፡
ፔቲ ኦፊሰር ወንድወሰን ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን መደብ “ኣንድ እድል” ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ትዕዝብቶም ኣካፊሎም፡፡
ቀዲሙ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ 35 ዓመታት ፃንሒቱ፤ ብወገን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ናይ ወፃኢ ወራሪ መጥቃዕቲ ከምዘየጋጠሞ ኣዘኻኺሮም፡፡
ብምዃኑ ድማ ጉዳይ ምርካብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንፀፅታን ድሕንነትን ወሳኒ ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብምቅስቓስ ሰላም እናኽበረት ከምዝፀንሐት እውን ኣብሪሆም፡፡
ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ባሕሪ ምርካባ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንሰላምን ድሕንነትን እቲ ከባቢ ዝህልዎ ረብሓ ዘተሓታትት ከምዘይኮነ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ብምስኣና ምኽባር ናብራ ንምፅዋር፣ ንካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ጉዳያት ክውዕል ዝኽእል ንክፍሊት ወደብ እናውዓለት ምዃና ኣልዒሎም፡፡
ብይለማርያም ተገኝ