Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ቻርተር ባንጁልን ማፑቶ ፕሮቶኮልን ዘለዋ ኣፈፃፅማ ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ቻርተር መሰል ሰባትን ህዝቢታትን ኣፍሪካ እናተሳተፈት ትርከብ፡፡

ኣብ ጋምቢያ ባንጁል እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ÷ ኣብ እዋናዊ ኣፈፃፅማ ኢትዮጵያ ቻርተር መሰል ሰባትን ህዝቢታትን ኣፍሪካ (ባንጁል ቻርተር) ከምኡ እውን ኣብ ፕሮቶኮል መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ (ማፑቶ ፕሮቶኮል) መበገሲ እዋናዊ ኣፈፃፅማ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሪፖርት ኣቕሪቡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ በላይሁን ይርጋ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕረበቶ ሪፖርት ኣብቲ ቻርተርን ፕሮቶኮልን ዘለዉዋ ግቡኣት ንምውፃእን ሰምበኣዊ መሰለላት ኣብ ምሕላው ዝተወሰዱ ትካላዊ ስጉምቲታት ፖሊሲን ሕጊን ዝምልከቱ ለውጢታት ኣብቲ ሪፖርት ብዝርዝር ቀሪቡ።

ነቲ ሪፖርት ስዒቡ ካብ ኮሚሽነራት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኢትዮጵያ በቲ ጉጅል ልኡኽ ኣቢላ 4 ግንቦት 2017 ምላሽ ክትህብ ኢያ ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.