Fana: At a Speed of Life!

ቅርታታት ይግበአኒ ታክስ ብምምርማር ፍትሓዊ ውሳነ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣከፋፍላ ታክስ ዝቐርቡ ቅርታታት ይግበአኒ ብምምርማር ፍትሓዊ ውሳነ ይወሃብ ከምዘሎ ኮሚሽን ይግበአኒ ታክስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ጉዳያት ርክብ ህዝቢን  ኮሚኒኬሽንን እቲ ኮሚሽን ኣይተ ሃይማኖት ደመቀ፥ ኣብ ከይዲ ኣከፋፍላ ታክስ ነዝቐርቡ ቅርታታት ዘተኣማምንን ፍትሓዊን ውሳነ ብምሃብ ዓቕሚ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋረሕ እዚ ባጀት ዓመት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዞሩ 326 መዛግብቲ ሓዊሱ 1 ሺሕን 144 ቅርታታት ይግበአኒ ታክስ ናብቲ ኮሚሽን ምቕራቦም ተዛሪቦም።

ካብ ዝቐረቡ መዛግብቲ እቶም 691 ዝኾኑ ሙግት ቃል ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ንውሳነ ኣብ ዝተቖፀሩ 686 መዛግብቲ ድማ ውሳነ ተዋሂቡ ኢዩ ኢሎም።

ነቲ ኮሚሽን ኣብ ዝቐረቡ ቅርታታት ናይ 3 ቢሊየንን 587 ሚሊየንን 969 ሺሕን ብር ውሳነ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ እቶም ሓላፊ መስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ቅርታታት ይግበአኒ ታክሲ ብምምርማር ፍትሓዊ ውሳነ ይወሃብ ኣሎ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.