ንኢትዮጵያ ንምዝማን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ናይቲ ኣመራርሓ ናይ ለውጢ ቁርፀኝነት ዘርእዩ ኢዮም-ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንኢትዮጵያ ንምዝማን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ናይቲ ኣመራርሓ ናይ ለውጢ ቁርፀኝነት ዘርእዩ ኢዮም ክብሉ ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ ስታይን ክሪስተንሰን ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብ ፃንሒቶም ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩለ መዳይ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምሽግጋር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።
እተን ሃገራት ናይ ነዊሕ እዋን ታሪካዊ ምትሕብብር ከምዘለወን ብምግላፅ፥ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር ይሰርሓ ከምዘለዋ ሓቢሮም።
ካብ ቀረባ ዓማውቲ ጀሚሩ ኢትዮጵያ ተርእዮ ዘላ ኩለ መዳይ ለውጢ እውን ንኢዶም።
ዝጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ናይቲ ኣመራርሓ ሙያዊ ብቕዓትን ናይ ለውጢ ቁርፀኝነተን ዘርእዩ እዮም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።