11 ሚሊየን ህፃናት ክታበት ንፍዮ ከምዝተውሃቦም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 11 ሚሊየን ህፃናት ክታበት ንፍዮ ከምዝተውሃቦም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብብርኪ ሃገር ንፍዮ ሓዊሱ በቢእዋኑ ዘጋጥሙ ነበዳታት ንምክልኻል ዘኽእል ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ይካየድ ኣሎ።
መራሒት ኣፈፃሚት ስራሕ እኖታት፣ ህፃናትን መናእሰይን ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ማሪያማዊት ኣስፋው በቲ ዝተጀመረ ወፍሪ ክታበት እወንታዊ ውፅኢት ይረአየሉ ከምዘሎ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፀን።
ቫይታሚን ኤ ሓዊሱ ንሕፅረት ምግቢ ዝተቓልዑ ህፃናት ምፍላይ፣ ካብ ዝተወለድሉ ጀሚሩ ምንም ክታበት ዘይወሰዱ ህፃናት ከምኡውን ብምኽኒያት ወሊድ ዝተጎድኣ ኣዴታት ምፍላይ፣ ክትትል ክታበት ብዘይምግባር ንሕማም ዝተቓልዑ ህፃናት ናይ ምፍላይ ስራሕ በቲ ወፍሪ ይፍፀም ከምዘሎ ተዛሪበን።
ብዙፋን ካሳሁን