በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ዝልዓል ሕቶ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ- ምሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ጉዳይ በሪ ባህሪ ብዝምልከት ዝልዓል ሕቶ ከይተዘሓሓለ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም፡፡
ዓለም ለኸ ርክብ ተመራማሪ ጌትዮ ትርፌ መንግስቲ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኣጀንዳ ተገይሩ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽን ትኹረት ምሃቦም ብምሕባር ኣብዚ ሕዚ እዋን እናቐነሰ ምምፅኡ ተዛሪቦም፡፡
ነቲ ኣጀንዳ ዝምልከት ዝለዓል ሕቶ ብዘይ ወዓል ሕደር ክስርሓሉ ከምዝግባእ ኣረዲኦም÷ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምላሽ ንኽረክብ ሚድያ፣ ዲፕሎማሲ፣ መሓውር መንግስቲን ካልኦት ኣካላት ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግእ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን መራኸብቲ ሓፋሽ ጠመተ ምሃብ ከምዘለዎ ብምሕባር÷ ሕቶ ዝቀረበሎም ኣካላት እቲ ጉዳይ ደው ኢሎም ክሓስቡን ሰናይ ምላሽ ንምሃብ ዝዝትይሉ ዕድል ከምዝፈጥር ኣብራህሪሆም፡፡
ዓለም ለኸ ርክብ ተመራማሪ ዝኾኑ ጥላሁን ሊበን ብግዲኦም÷ ኢትዮጵያ በሪ ባህሪ ንኽትረኽብ ሕቶ መንግስቲ ጥራሕ እኹል ከምዘኾነ ህዝቢ ኢትዮጱያ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ክብል ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡
ቀይሕ ባሕሪ ዓለም ለኸ ፖለቲካ ስሕበት ምዃኑን ኣብቲ ዞባ በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ፅዕንቶ ፈጠርቲ እየን ዝበሉ እቶም ተመራማሪ÷ ፅዕንቶ ፈጣሪት ንምዃን ሉኣላዊነት ንምኽባርን በዓል ዋና በሪ ባሕሪ ምዃን ኣድላዩ እዩ፡፡
ብዮናስ ጌትነት