Fana: At a Speed of Life!

መነባብሮ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምሕያሽ ኮሪደር ገፀር ኣብ ኩሎም ከባቢታት ይስፋሕፋሕ ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ) መነባብሮ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምሕያሽ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ኣብ ኩሎም ከባቢታት ይስፋሕፋሕ ኣሎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጠቅዕዎ ፅሑፍ ÷ሎሚ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ሃላባ ወረዳ ዌራ ዲጆ ቀበሌ ሲንቢጢ ኣካል ልምዓት ኮሪደር ዝኾኑ ህንፀት ሞዴል መንደራት ገጠር ኣጀሚርና ኢሎም፡፡

እቶም ህንፀት ሞዴል መንደራት ገፀር ቀሊል ወፃኢ ዝሓቱን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ እታዎታት ዝህነፁ እንትኾኑ÷ ሰበኽ ሳግም ጥዕንኦምን ክብሪ ዘለዎ ህይወትን ንኽነብሩ ከምዘኽእሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 2ሺሕ ሄክታር መሬት ብበዝሒ መስኖ ምሩፅ ዘርኢ መሸላ ባሕሪ ከምኡ እውን ልምዓት ኣትክልትን ፋራፍረን እናተካየደ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ብሓደጋ ውሕጅን ድርቂ ይፍለጥ ዝነበረ እቲ ከባቢ ኣብነት ልምዓት ይገብሮ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.