ደቂ ኣንስትዮ ንህንፀት ሃገርን ወለዶን እጃመን ልዑል እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ደቂ ኣንስትዮ ንህንፀት ሃገርን ወለዶን እጃመን ልዑል እዩ ኢለን፡፡
ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ለኸ ደቂ ኣንስትዮ መዛዘሚ ዘተ “ግደ ደቂ ኣንስትዮ ንኩለመዳያዊ ብልፅግና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተካይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ሓሳብን ሕቶታተንን ኣቕሪበን።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ምገባ ተምሃሮን ሓዊሱ ተጠቃምነት ዜጋታት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋግፁ ዘርፈ ብዙሕ ስራሕቲታት ልምዓት ብምንኣድ እዚ ኣፍልጦ ክወሃብሉ ዝግበኦም ዓብዪ ስራሕ ምዃኑ ገሊፀን።
ኣብ ኩሎም ስራሕቲታት ልምዓት ድማ ብተሳታፊነት ደቂ ኣንስትዮ ዘርእይ ብምዃኑ ብዝበለፀ ዘሕጉስ እዩ ኢለን፡፡
እቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ምስ ዋጋ መነባብሮ፣ ፀገማት መንበሪ ኣባይቲ፣ ዕድላት ስራሕን መድሕን ጥዕናን ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ኣልዒሎም።
ንዝቐረቡ ሕቶታት ምላሽ ዝሃቡ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሃገርና ይኹን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ስራሕቲታት ምስርሑ ኣብራህሪሄን፡፡
ነዚ ንምጥንኻርን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሓሳብ ናብ ተግባር ኣብ ልምዓት ክሳተፋን ንዝቕፅል በጀት ዓመት ዝኸውን እታወት ንምእካብን ዝተዳለወ መድረኽ ምድላው ገሊፀን።
ብፍላይ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ቀረብ ዝስተ ማይን መንበሪ ኣባይትን ብትኹረት ከምዝስራሕ ሓቢረን፡፡
ብኻልእ ወገን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከም ወትሩ ንሰላም ሓለዋ ደው ክብላን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብሓባር ክሰርሓ ኣተሓሳሲቡ።
ብፌቨን ቢሻው
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana