መድረኽ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን(ዶ/ር) ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲን ሎሚ ምሸት ክቐርብ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን(ዶ/ር) ትማሊ ምስ ካብ መልላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ማሕበረሰብ ንግዲ ዘተ ኣካይዶም ኢዮም።
እቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ናይ ዝገብርዎም ዘተታት ኣካል እንትኸውን፥ ዓውዲ ንግዲ ዝጠመተ ዛዕባታት ብምልዓል ተዛቲዮም።
ብብርኪ ፌዴራል ቅድሚ ዘተ ምግባሩ፥ ብብርኪ ዞባ፣ ክልልን ከተማታትን ናይ ዝተሳለጡ ዘተታት መቐፀልታ ኢዩ።
ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተረኸብሉ ተዛተይቲ ንመንግስቲ ንትልሚ ዓውዲ እታዎት ከምዝህቡ ተገይሩ።
እቲ ዝተገበረ ዘተ ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 3፡00 ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ ክቐርብ ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!