ተቃላዒነት ሓደጋ ውሕጅ ንምንካይ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ዓቕሚ ክልላት ብምጥንኻር ተቃላዒነት ሓደጋ ውሕጅ ክረምቲ ንምንካይ ይስራሕ ኣለኹ ኢሉ፡፡
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሽፈራሁ ተኽለማርያም (ዶ/ር ) ንሓደጋ ውሕጅ ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ምስ ክልላት ብምውህሃድ ስራሕቲ ምስርሑ ገሊፆም።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሕጅን ርዕደ መሬትን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ስጉምቲ ቅድመ ምክልኻል ተግባራት ይውሰድ ከምዘሎ ኮሚሽነር ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት እቲ ክልል ጋንታ ጋማ ተዛቦም።
ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋንሓጋይ ንመከላኸሊ ውሕጅ 145 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ምስርሑ ዝገለፁ ድማ ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቕታን ምላሽን ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት እቲ ክልል ኣይተ ብርሃኑ ዘውዱ እዮም።
ኣብቲ ክልል ተቓላዕቲ ውሕጅ ዝኾና 33 ወረዳታት ብምልላይ ሕብረተሰብ ዘሳትፍ መሰናድኦ ስራሕቲ ምስርሑ ሓቢሮም፡፡
ብእዮናዳብ ኣንዷለም
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!