Fana: At a Speed of Life!

3ይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)3ይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም “ሃይማኖታት ንሰላም፣ ንምክብባርን ሕብረትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ጉባኤ ሰላም ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ክልል ኣምሓራ ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ፋንቱ ተስፋዬ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ካብ ኩለን ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወከሉ ኣቦታት ትካላት ሃይማኖት ተረኺቦም።

እቲ ጉባኤ ሰላም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ዘላቒ ሰላም ንምፅናዕ ዝህልዎ ግደ ዕዙዝ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብደሳለኝ ቢራራ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.