ንኡሽተይ ተሓራሲ መሬት ዘለዎም ሓረስቶት ግልጋሎት ፋይናንስን ኢንሹራንስን ይቀርብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንለውጢ ከባባ ኣየር ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣብ ንኡሽተይ ተሓራሲ መሬት ዘፍርዩ ሓረስቶን ሰበኽ ሳግምን ዓቕሚ ፋይናንስ ብምዕባይ ምህርቶምን ኣፍራይነቶምን ንክውስኽ ደገፍ ይግበረሎም ኣሎ።
ኣብ ኣናእሽተይ ተሓራሲ መሬት ዘፍርዩ ሓረስቶት ተቃላዕነት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ቀረብ ፋይናንስን ዝተመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ምስላጥ ይርከብ።
ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣብ ዘፈር ሕርሻ ብዝሃበቶ ትኹረት ምህርትን መፍረያይነትን ብዝበለፀ ምዕባይ ምኽኣላ ኣረዲኦም፡፡
በዙይ እውን ሃገራዊ ጠለብ ስርናይ ሙሉእ ብሙሉእ ብውሽጢ ሃገር ብምሽፋን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ኣትሪፍና ኢሎም፡፡
ንኹሉ ዝሓቁፍን ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር ዘኽእል ኢኮኖሚ ሪፎርም ምምሕያሽ ምግባሩ ብምሕባር፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር በቢዓመቱ ዝትከሉ ፈልሲታት እታ ሃገር ብምግቢ ዓርሰ ምኽኣል ንእትገብርዎ ፃዕሪ ዝሕግዝ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ኣብ ምርግጋፅ ሉኡላውነት ምግቢን ስርዓት ኣመጋግባ ዜጋታትን ብምቕያር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!