ሙዚየም ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ንህዝቢ ክፍቲ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕድሳት ተገይሩሉ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ፈተነ ስራሕ ዝፀንሐ ሙዚየም ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንህዝቢ ክፍቲ ኮይኑ።
እቲ ቤተ መንግስቲ ጥንታዊ ተሽከርከርቲን መካነ እንስሳትን ሓዊሱ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ታሪኻዊ ቅርስታት ዝሓዘ እንትኸውን፥ ደረጀኦም ዝሓለዉ ኣብያተ ምግብን ስፓታትን ይርከብዎ።
እቲ ሙዚየም ክፍቲ ምዃኑ ዝገለፁ ዋና ኣማሓዳሪ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ምትኩ ደሬሳ፥ እቲ ቤተ መንግስቲ ንኢትዮጵያ ካብ ተሓጋዝነት ንምልቓቕ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።
ካብ ሰሉስ ወፃእ ኩለን መዓልታት ካብ ሰዓት 3፡00 ክሳብ 11፡30 ንህዝቢ ከፍቲ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።
ካብ ሃወፅቲ ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት እዛ ሃገር ንዝርከቡ ፕሮጀክትታት ንምዝዛም ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
መእተዊ ዋጋ ስሩዕ 300 ብር ከምኡውን ንፍሉይ ትኬት 1 ሺሕ በር ከምዝኾነ ኣይተ ምትኩ ገሊፆም።
ብዘረኣያዕቆብ ያዕቆብ