Fana: At a Speed of Life!

ስርቂ ሓይሊን መሰረተ ልምዓትን ንምትራፍ መመሓየሺ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ምምሕያሽ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ አገልግሎት ስርቂ ሓይሊን መሰረተ ልምዓትን ንምትራፍ መመሓየሺ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ምምሕያሽ ገይሩ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ስርቂ ሓይሊን መሰረተ ልምዓትን ንምትራፍ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዘተ ብምግባር ስራሕቲ ምፍጣር ግንዛበ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፁ።

ኣብቲ ኣገልግሎት ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ሕጊ ኣበበ ተስፋ ኣብቲ በጀት ዓመት 239 ገበናት ስርቂ መሰረተ ልምዓት ከምዝተፈፀሙ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ኣብ መሰረተ ልምዓት ጉድኣት ዘብፅሑ 24 ውልቀሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ጥፍኣተኛ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ ካብ 4 ወርሒ ክሳብ 20 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምዝተቐፅዑ ኣፍሊጦም።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ዓማዊል ተረባሕቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ዝበፅሑ ገበናት ስርቂ እቲ ኣገልግሎት ብግቡእ ተበፃሒ ንምግባር ማሕለኻ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

በቲ ሓዱሽ መመሓየሺ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ኣብ ገበን ስርቂ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ተዋፊሩ ዝተረኸበ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ 5 ክሳብ 20 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ከምዝቕፃዕ ኣገንዚቦም።

ብኣቤል ንዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.