Fana: At a Speed of Life!

ቀጣናዊ ዝምድና ንግዲ ንምጥንኻር ዝዓለመ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤ ምሲ)ግደ ንግዲን ዓውዲ ውልቀን ንምጥንኻር ዝዓለመ “ኢኮትሬድ” ፕሮጀክት ሎሚ  ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀክት “ብውልቀ ዓውዲ ዝምራሕ ሰንሰለት እሴት ክብ ብምባል ዝምድና ንግዲን ኢኮኖሚን ኢትዮጵያ ምጉልባት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክትግበር።

ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥ እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ብናፃ ቀጣና ንግዲ ኣቢሉ ቀጣናዊ ዝምድና ንግዲ ንምስላጥ ንእትገብሮ ፃዕሪ ልዑል ግደ ኣለዎ።

ብተወሳኺ ዓውዲ ውልቀ ሃገራዊ ግደ ንምጥንኻር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ኣገንዚቦም።

ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመት ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት ቀጣናዊ ሰንሰለታዊ እሴትን ትካላዊ ዓቕሚን ምዕባይ ከምኡ ’ውን ትካላት ንግዲ ኣብ ምጉልባት ጠመተ ዝገብር ኢዩ።

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.