Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ኣየር ክልላ ብኽፋል ክፍቲ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢራን ምስ እስራኤል ዝተገበረ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ስዒቡ ክሊ ኣየራ ብኽፋል ክፍቲ ገይራ።

እስራኤልን ኢራንን ንዝሓለፉ 12 መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኢራን ክሊ ኣየርኣ ምሉእ ብምሉእ ምዕፃዋ ይዝከር፡፡

እቲ ኲናት ብኣሜሪካ ሸምጋልነት ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ዝተዛዘመ እንትኾን÷ እቲ ስምምዕነት ስዒቡ እስራኤል ኣብ እዋን ኲናት ዝነበራ ህፁፅ ኣዋጅ ብምልዓል ናብ ስሩዕ ምንቅስቓስ ተመሊሳ፡፡

ኢራን እውን ብተመሳሳሊ ሎሚ ብኽፋል ክሊ ኣየራ ክፍቲ ምግባራ ተሓቢሩ፡፡

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ መገዲን ከተማ ልምዓትን ኢራን መጂድ ኣክቫን፤ ኣብ ምብራቓዊ ኢራን ናይ ውሽጢ ሃገርን ኣህጉራውን በረራታት ክካየድ ተፈቒዱ ኢሎም።

ይኹን እምበር ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቴህራን ሜህራባድን ሆሚኒ ዝግበር በረራታት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናውሐ ምውሳኑ እቶም ውሃ ቃል ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ዝህልው ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋዕን ኢራን ክሊ ኣየራ ሙሉእ ብሙሉእ ክትከፍቶ ትኽእል ምባሎም ቲ ኣር ቲ ወርልድ ፀብፂቡ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.