ኣፍሪካዊ መፍትሒ ንኣፍሪካዊ ፀገማት – ዝጎልበተ ምሕዝነት ሩስያን ኣፍሪካን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሃፍተመት ኣህጉር እያ። ይኹን እምበር ንዘበናት ሃፍታ ብካልኦት ባዕዳዊ ገዛእቲ ክምዝመዝ እናረኣየት ተመልካቲት ኮይና ፀኒሓ እያ።
ኣፍሪካውያን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምስ ተላቐቑ ናይ ባዕሎም ፀገማት ባዕሎም ናይ ምፍታሕ ድሌት ንምምላእን ሓባራዊ ምትሕብባሮም ንምጥንኻርን ከም ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ (ሕብረት ኣፍሪካ) ዝበሉ ትካላት መስሪቶም እዮም።
ኣፍሪካውያን ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ኣህጉሮም ኣብ ውሽጢ እታ ኣህጉር መፍትሒ ንምርካብ ከምኡ እውን ኣጀንዳ ባዕልኻ ንምኽኣል ምግቢ ንምዕዋት “ኣፍሪካዊ መፍትሒ ንኣፍሪካዊ ፀገማት” ዝብል መትከል እናተግበሩ ይርከቡ።
ዕላማ እዚ መትከል ፖለቲካዊ ፀገማትን ትልሚ ልምዓትን ብዘይ ኢድ ኣእታውነት ካልኦት ብፍልጠትን ተመኩሮን ኣፍሪካውያን መፍትሒ ክኽረኽቡ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
እዚ ድማ ኣፍሪካውያን ውሽጣዊ ዓቕሞም ንኸጠናኽሩ፣ ፅዕንቶ ካልኦት ንኽፃወሩን መሰሎም ንኸኽብሩን ዘለዎም ዓቕሚ ንኽውስኹ ይሕግዝ።
ኣብዚ ከይዲ ሩስያ ቀዳመይቲ መሓዛ ኮይና ትርአ፤ ሩስያ ሃገራት ኣፍሪካ ባዕለን ንኽኽእላን ኢድ ኣእታውነት ካልኦት ንኸወግዳን ዝገብረኦ ፃዕሪ ካብ ዝድግፉ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ሃገራት ዓቕመን ብምጥንኻር ፅዕንቶ ካልኦት ክፃወራን ረብሐአን ኣብ ግምት ዘእተዉ ውሳነታት ክውስናን ከምዝኽእላ ብምእማን ሩስያ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምትሕብባር ተካይድ።
ኣፍሪካውያን ምስ ሩስያ ዘለዎም ርክብ ሎሚ ብሃንደበት ዝመፅአ ኣይኮነን እኳ ደኣስ ብታሪኽ ዝተኣሳሰረ፣ ብቕልጡፍ እናዓበየን እናተጠናኸረን ዝመፅአ ርክብ እምበር።
ሩሲያ ምስ ኣፍካውያን ትገብሮ ርክብ ኣብ ሕውነት ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ንኩሉ ዝሓቁፍ ብዝበሃል ብርኪ ብዙሓት ምትሕብባራት ይገብሩ፡፡
ኣብ ጂኦፖለቲካ፣ ውሕስማ ምግቢ፣ ንግዲ፣ ፀፅታ፣ ትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂ ከምኡ እውን ኣብ ሓይሊን መሰል ዘፈራትን ምትሕብባር ይገብሩ፡፡
ሩሲያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ እትገብሮ ክልተኣዊ ርክብ ብተወሳኺ ከም ብሪክስ ኣብ ዝበሉ በዓል ብዙሕ ወገን ርክባት እውን ተኣሳሲራ እያ፡፡
ኣብ ሩሲያ ሞስኮ ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ዝካየድ 3ይ ጉባኤ ሩሲያ ኣፍሪካ ናይዚ ምትሕብባር መግለፂ እዩ፡፡
ብቤተልሄም ግርማ