Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ፀጥታን ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዝካየድ ኩለመዳይ ፃዕሪ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ በፂሑ ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰላምን ፀጥታን ኢትዮጵያ ብዘላቒነት ንምርግጋፅ ዝካየድ ኩለመዳይ ፃዕሪ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ በፂሑ ኣሎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ምክልኻል እተካይዶ ዘላ ምድላው ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ንምክልኻል ዘኽእላ እሙን ዓቕሚ እናማዕበለት ከምትርከብ ኣመልኪቶም።

ምስ መንግስቲ ሩስያ ብዝተገብረ ስምምዕነት ብመሰረት ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ዓሰርተ ክልተ ናይ 4ይ++ ወለዶ ውግእ ጄታት ነፈርቲ ሱ-35 (Su-35 4++ Generation) ተረኪባ ኣላ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ዘበናዊ ናይ ኣየር ምክልኻል ስርዓት ባትሪታት ኤስ-400 (S-400) ክትርከብ ምዃና እውን ገሊፆም።

እዘን ዘበናዊ ናይ ውግእ ጄታት ብምዕጣቕ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ክትከውን ከምዝኸኣለት ኣመልኪቶም።

እዚ ድማ ሉኣላውነት ሃገር ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ኣብ መፃኢ ሓባራዊ ፀጥታን ዞባዊ ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ዝግበር ጉዕዞ ብሙሉእ ልቢ ንምቕፃልን ዓብዪ ዓቕሚ ከምዝኾኖም ገሊፆም።

እዚ ታሪኻዊ ዓወት ብምምልካት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ “ንፕሬዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እቲ ስምምዕነት ዝተቐመጠሉ ግዜ ሓደ ዓመት ኣቐዲሙ እዘን ነፈርቲ ውግእ ክንርከብ ዘርአዩዎ ትግሃት ከመስግኖም እፈቱ” ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.