ኣፍሪካ ዘመናዊ ድኹዒ ካብ ወፃኢ ምእታው ደው ክተብል እያ – ኣሊኮ ዳንጎቴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅሉ 40 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ዘመናዊ ድኹዒ ደው ክተብል እያ ኢሎም በዓል ሃፍቲ ናይጀርያ ኣሊኮ ዳንጎቴ።
እቶም በዓል ሃፍቲ ኣብ ናይጀርያ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባንኪ ኣፍሪኤክሲም ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካውያን ዘመናዊ ድኹዒ ካብ ወፃኢ ዘእትው ብምዃኖም ንፅዕንቶ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ይበፅሖም፡፡
ኣፍሪካ ብዘመናዊ ድኹዒ ዓርሳ ክትኽእል ንምግባር ኩባንያታት 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ብምምዳብ ናብ ዘመናዊ ድኹዒ ክኣትው ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
እዚ ድማ ንሃገራት ኣፍሪካ ብግቡእ ንምምላእ ከምዘኽእል ብምሕባር፤ ኣፍሪካውያን ኣብ ዝቕፅሉ 40 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ድኹዒ ደው ከብሉ ምዃኖምን ገሊፆም።
እቲ ኩባንያ ዘፍርዮ ዘመናዊ ድኹዒ ኣብ 2025 ዓ.ም.ፈ መወዳእታ ኣብ ናይጀርያ ዕዳጋ ኣክስዮን ምሻጥ ከምዝጅምር ገሊፆም ክብል ጋናዌብ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!