ሩስያ ዝማዕበለትን ሉኣላውነታ ዝተረጋገፀን ኣፍሪካ ንምህናፅ ብሓባር ምስራሓ ክትቅፅል እያ – ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ሩስያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ብምጥንኻር ዝማዕበለትን ሉኣላውነታ ዝተረጋገፀን ኣፍሪካ ንምህናፅ ብሓባር ምስራሓ ክትቅፅል እያ ኢሎም ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ሩስያ ማክሲም ኦሬሽኪን።
ሳልሳይ ጉባኤ ሩስያ ኣፍሪካ ፅባሕ ረቡዕ 18 ጥቅምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ሞስኮ ዝካየድ ኮይኑ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር።
ሩስያ እውን ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ብምጥንኻር ዝማዕበለት ሉኣላውነታ ዝተረጋገፀን ኣፍሪካ ንምህናፅ ብሓባር ምስራሓ ከምእትቅፅል ኣመልኪቶም።
ሩስያ ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ዘለዋ ዓቕሚ ንምዕባይ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ምህዞን ትኹረት ገይራ ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላፅ ተመኩሮኣን ከይዲ ለውጣን ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ድልውቲ ምዃና ኣመልኪቶም።
ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ናይ ንግድን ኢንቨስትመንትን ምትሕብባር ብምስፋሕ፣ ቁጠባዊ ዓቕመን ንምጥንኻር ትሰርሕ ምህላዋ ገሊፆም።
ኣብ ዘፈር ሕርሻ እውን ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ፍርያምነት ምዕባይ፣ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብን ቁጠባዊ ዓቕሚ እተን ሃገራት ምጥንኻርን ቀንዲ ትኹረታት እቲ ምትሕብባር ክኾኑ ምዃኖም ኣመልኪቶም።
ብኣሸብር ካሳሁን