Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ ዘቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ጉባኤ ሬይስ ኦፍ ሆፕ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝመፅኡ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ ሎሚ ንጎሆ ተራኺብና ኢሎም።

ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ክንክን ሕክምና መንሽተሮ/ካንሰር፣ ጥዕና እንስሳት፣ ኒኩለር ኢንጂነሪንግን ማዕቐፋት ቁፅፅርን ዝጠመተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ኣብ ከይዲ ኣብ ዘለዉ ደገፋትን ናይ ቀፃሊ ዕድላት ምትሕብባርን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.