ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 92 ቢሊየን ብር ዕዳ ከምዝኸፈለት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 92 ቢሊየን ብር ዕዳ ከምዝኸፈለት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝኾነ ይኹን ልቓሕ ኣይተወሰደን ኢሎም።
እዚ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
እቲ ሽግሽግ ልቓሕ ትማሊ ኣብ ፈረንሳይ ናይ መወዳእታ ስምምዕነት ብሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ከምዝተኸተመ ኣብሪሆም።
ብመሰረት እዚ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ልቓሕ ቀደም ካብ ዝነበሩ መንግስታት ዝተለቅሕዎ ዕዳ ብምሽግሻግ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ልቓሕ ኣርዑት ምልዓል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።