ኣብዚ ዓመት ንልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ ዓመት ንልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ዓውዲ ግብርና 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን፣ ኣብ ኢንዱስትሪ 680 ሺህ፣ ኣብ ወፃኢ ዓዲታት ብዝተገበረ ምውፋር ስራሕ ኣስታት ፍርቂ ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝረኸቡ ኣብሪሆም።
ብርሕቐት ስራሕቲ ኦን ላይን ድማ ኣስታት 60 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝረኸቡ ተዛሪቦም።
እቲ ዝተፈጠረ ዕድል ስራሕ ልዑል እኳ እንተኾነ ሐዚ አወን ናብቲ ዝድለ ንምብፃሕ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝሓትት ገሊፆም።