ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላም ክንነብር ንደሊ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ባዕልና ክንከላኸል ኢና- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላም ክንነብር ንደሊ ኢና፤ እንተዘይኮይኑ ግና ባዕልና ክንከላኸል ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትልሚ ኣፈፃፅማ መንግስቲ 2017 ኣመልኪቶም ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቶን ምላሽን መብራህርሂ ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ኣይንደልን፣ ኩናት ኣይንመርፅን፣ ምትሕብባርን ብሓባር ምዕባይን ኢና ንደሊ ኢሎም፡፡
ምስ ኩሎም ኣሓትና ብሰላም ክንነብር ንደሊ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ብሰላም ክንነብር ዘየኽእለና ጉዳይ እንተሃልዩ ድማ ባዕልና ክንከላኸል ኢና ኢሎም።
ነዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዘድልያ ስግኣት የለን ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!