ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀፅሪ ፓርላማ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017(ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀፅሪ ፓርላማ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኦም ÷ሎሚ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፈፃፅማ ትልሚ መንግስቲ 2017 ዓ.ም ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ፓርላማ ሓምለዋይ ኣሰር ምንባሮም ሓቢሮም፡፡
ብተወሳኺ እውን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምትካል ኣብዚ ዓመት ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኩሉ ክሳተፍ ፃውዒት ምቕራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡