Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 48 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን።

እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎም ውሳነታት ብዝርዝር ከምዝስዕብ ይቐርብ፡

እቲ ቤት ምኽሪ ፈላማይ ዝተመያየጠ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት ንካልኣይ ዘላቒን ኩለመዳያዊን ዕብየት ፖሊሲ መፈፀሚ ዝውዕል 258,100,000 ኤስ.ዲ.ኣርን ንቅልጡፍ ልምዓት ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝውዕል 27,300,000.00 ኤስ.ዲ.ኣር ደገፍ ፋይናንስን ስምምዕነት ልቃሕን ንምፅዳቕ ኣብ ዝቀረቡ ረቂቅ ኣዋጃት እዩ፡፡

ክልቲኦም ልቓሓት ካብ ወለድ ነፃ፣ 0.75% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝክፈሎም ኮይኑ ን6 ዓመት ዝኸውን ናይ ችሮታ ግዜ ሓዊሱ ብነዊሕ ግዘ ዝኽፈሉ እዮም፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ስምምዓት ልቓሕ ምስ ሃገራት ምምሕዳር ስትራቴጂ ልቃሕ ዝጥዕዓም ምዃኑ ብምርግጋፅ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ወሲኑ።

ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ኣዋጅ ግብሪ እቶት ፌደራል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ኣዋጅ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ክሰርሐሉ ዝፀንሐ ኣዋጅ ግብሪ እቶት ፌደራል ሕዚ ኣብ ዝርከበሉ ሃገራዊን ዓለም ለኸ ኩነታት ኢኮኖሚ ብመንፅር እንትረአ ብዙሕ ክፍተታት ዘለውዎ ብምዃኑ ድንጋገታት እቲ ኣዋጅ ብምምሕያሽ መሰረታዊ ስርዓት ታክስ መሪሕ ንምዕዋት ብዘኽእል መልኽዑ ክቕረፅ ብምግባር ኣድላዩ ኮይኑ ብምርካቡ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ተዳልዩ ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ኣዋጅ መመሓየሺ ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ወሲኑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ መንግስቲ ፌደራላዊ ሪፓብሊክ ናይጀርያ ዝተዛተየ ኣብ ዲፕሎማቲክን ስርቪስ ግልጋሎት ፓስፖርት ንዝሐዙ ሰባት ቪዛ ንምትራፍ ዝተፈረሙ ክልቲኣዊ ስምምዕነት እዩ፡፡

እቲ ስምምዕ ዲፕሎማቲክን ስርቪስ ግልጋሎት ፓስፖርት ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰብ መዚ መንግስቲ፣ ዲፕሎማትን ዜጋታት ንጉዳይ ስራሕ ዘካይድዎ ምንቅስቓሳት ቪዛ ንምርካብ ዘድልዩ ቅድመ ኩነት ዝወስድ ግዘ ንምትራፍ ከምኡ እውን ክልተኣዊ ዝምድናታት ኣብ ምጥንኻር ዓብዩ ረብሓ ከምዘለዎ ንቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ስምምዕ ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ወሲኑ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.