ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ናይ ሓደ ቢሊየን ዶላር ስምምዕነት ተፈራሪሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ፋይናንስ ስምምዕ ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ንምሕጋዝ ከምዝውዕል ተሓቢሩ፡፡
እቲ ስምምዕ ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ማሪያም ሳሊምን ተፈራሪሞም።
እዚ ስምምዕነት ብባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘለዎ ተወፋይነት ዘርኢ ምዃኑ ሚኒስቴር ገንዘብ ንፋና ዲጂታል ዝሃቦ ሓበሬታ የረድእ።
ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያን ሪፎርም ኢኮኖሚ ንምሕጋዝ ዝትግበር እቲ መርሃ ግብሪ ብስምምዕነት መሰረት ደገፍን ዝተናውሐ ልቓሕን ዝቐርብ እዩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ንምርግጋዕ፣ ተወዳዳርነት ንግዲ ንምዕባይ፣ ዘላቒ ማሕበራዊ ግልጋሎት ንምርግጋፅ ካልኦት ሪፎርም ቁልፊ ተግባራት ንምሕጋዝ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!