ሓምለዋይ ኣሰር ልሙዕነት ሓመድን ንምሕላውን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ልዑል ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤምሲ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልሙዕነት ሓመድን ንምሕላውን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን የኽእል ኢሉ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ፡፡
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ንጉሴ ደቻሳ (ፕ/ር) ከምዝበልዎ÷ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምግብነት ዝውዕሉ ፈልሲታት ብምትካል ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ልቀት ካርቦን ንምንካይን ለውጢ ክሊማ ንምፅዋርን ዝሕግዝ ምዃኑ ብምሕባር÷ ልሙዕነት ሓመድ ንምዕቃብ እውን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።
እቲ ኢንስቲትዩት ሎሚ ኣብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ቢሾፍቱ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምጅማሩ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር÷ ኣብታ ሃገር ዘለው 23 ማእኸላት እቲ መርሃ ግብሪ ምዝካየድ ሓቢሮም፡፡
መርሃ ግብሪ ሓምላይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ደኒ ንምውሳኽን ከምኡ እውን ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!