ቤት ምኽሪ 350 ሚሊየን ዶላር ልቓሕ ስምምዕነት ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢኣብ መንጎ ፌዴራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን÷ ካልኣይ ዘላቒን ኩለመዳያዊን ፖሊሲ ልምዓት ኢኮኖሚ ዝተገበረ ልቓሕ ኣዋጅ ስምምዕነት መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
6ይ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 4ይ ዓመት ዘመን ሰራሕ 2ይ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣብቲ እዋን ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ 350 ሚሊየን ዶላር ስምምዕ ልቓሕ ካብ ወለድ ነፃ ዝኾነን ብነዊሕ ግዜ ዝኽፈልን ልቓሕ እዩ።
ብሓፈሻ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምጥንኻርን ንምፍፃምን ተሓሲቡ ዝተዳለወ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ምዃኑ ስለዝእመነሉ እቲ ስምምዕነት ተፈሪሙ ኢሎም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!