Fana: At a Speed of Life!

ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ይወስዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ 299 ሺሕ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ይወስዱ ኣለዉ ኢሉ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት  እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ እቲ ፈተና  ካብ መንጎ ዝወስዱ ዘለዉ ተምሃሮ እቶም 31 ሺሕን 50 ዝኾኑ ብኦን ላይን ይፍተኑ ኣለዉ።

ብኢንተርኔት ዝፍተኑ ተምሃሮ ምስ ቴክኖሎጂ ብዝተዛመደ ንከይፅገሙ ደገፍ ከምዝተገበረሎም ተዛሪቦም።

ኣብ ኩሎም ማእኸላት መፈተኒ ምቁርራፅ መብራህቲን ኢንተርኔትን ከምኡውን ሕፅረት ሓይሊ ሰብ እንተየጋጠመና እቲ ፈተና ንህብ ኣና ኢሎም።

ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ብምስራሕ እቲ ፈተና ብሰለማዊ መገዲ ይኸይድ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ዘይተፈቐዱ ነገራት ብተፍቲሽ ሓሊፎም ኣብ መፈተኒ ክፍሊ ሒዞም ዝተረኸቡ ተፈተንቲ ካብ ፈተና ምስራዞም ኣብሪሆም።

ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ 12 ክፍሊ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.