Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ዕቀባ ሓመድን ማይን ናይ ምትእስሳር  ስራሕ ብስፍሓት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ እዋን ሓጋይ እንትካየዱ ምስ ዝፀንሑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ናይ ምትእስሳር ስራሕ ብስፍሓት ይካየድ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጎቦ የካ ብምርካብ ምስ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን በረት ዕዮ ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሓላፊት እቲ ቤት ዕዮን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለም ፀሃይ ጳውሎስ፥ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ኣሰር ምስ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብወግዒ ካብ ዝጅመር ንደሓር ብዙሓት ዜጋታት ይሳተፉ ኣለዉ ኢሎም።

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ይሳተፉ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ 100 ሺሕ ፈልስታት ናይ ምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዙ ተዛሪበን።

ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ዕቀባ ሓመደን ማይን ኣብ ዝተገበርሎም ቅድመ ሐዚ ብቀላሚንጦስ ተሸፊኖም ኣብ ዝነበሩ ስፍራታት ምክያዱ ገሊፀን።

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ሎሚ ሓሊፉ ንናይ ፅባሕ ትውልዲ ስንቂ ምዃኑ ሓቢረን።

ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ኣብ ከባቢኡ ብንቕሓት ብምስታፍ ኣሰሩ ንከንብር ፃውዒት ኣቕሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.