Fana: At a Speed of Life!

ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ የዐሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንምዕባይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላም ዘምፅእ እዩ ኢሎም ምሁራት፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛሙን ኣብ ወርሒ መስከረም ከምዝምረቕን ምግላፆም ይዝኸር።

ምዝዛም እቲ ግድብ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ብምዕባይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላም ዘምፅእ ምዃኑ ምሁራት ፖለቲካን ዓለም ለኸ ርክብን ገሊፆም፡፡

ተንታኒ ጉዳያት ፖለቲካ ሴኔሳ ደምሴ ከምዝበልዎ፤ ግድብ ህዳሴ ልዑል ሓይሊ ዝሓዘ ብምዃኑ ሂቡ ብምቕባል መሪሕ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ተግባራዊ ከምዝኾን ንምስራቕ ኣፍሪካ ንሰላም በሪ ዝኸፍት ይኾን፡፡

እቲ ሓደ ዘይብሉ ምስ ካልእ ብምክፋል ምጣነ ሃፍቲ ምትእስሳር ብምዕባይ እቲ ዞባ ናብ ሰላም ናይ ምምፃእ ዕድል ከምዘለዎ ኣረዲኦም፡፡

ዓለም ለኸ ርክብ ሳይንስን ፖለቲካን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር እዩብዘር ዘውዴ ብግዲኦም፤ ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ካብ ዝነበሮም ልዕል ከምዘብል ተዛሪቦም፡፡

ብክብረወሰን ኑሩ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.