ሚሊኒየምኣዳራሽ ብዘበናዊ መገዲ ክህነፅ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዲቨሎፕመንት ኣዲስ ፓርክ ወይ ብተለምዶ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ምስቲ ከባቢ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ብዝጠዓዓም መልክዑ ብዘበናዊ መገዲ ክህነፅ እዩ።
ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሚዩኒኬሽንን ፕሮሞሽንን ሚድሮክ ግሩፕ ሁናቸው ታዬ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ዲቨሎፕመንት ፓርክ ኣዲስ ብ20 ሰነ 2017 ዓ.ም ሓደጋ ሓዊ ኣጋጢሙ ከምዘጋጠሞ ኣዘኻኺሮም።
ካብ መጀመርታ ሚሊኒየም ኣትሒዙ ብዙሓት ኩነታት ብምትእንጋድ ግልጋሎት ክህብ ዝፀንሐ ነቲ ከባቢ ብዝምጥን መልክዑ ብሓድሽ መልክዑ ክህነፅ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካብ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ህንፀቱ ብግቡእ ከምዝኻየድ ገሊፆም።
ሚሊኒየም ኣዳራሽ ኣብ ቀረባ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ፀገም ናብ ንቡር ኣገልግሎት ከምዝተመልሰ ኣመልኪቱ፤ ሓዱሽ ህንፀት ክሳብ ዝጅምር ንቡር ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም።
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!