ዋጋ ቤንዚል፣ ፃዕዳ ናፍጣን ኬሮሲንን ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋጋ ቤንዚል፣ ፃዕዳ ናፍጣን ኬሮሲንን ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲን ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን፡፡
እቲ ሚኒስቴር ካብ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሰዓት 12 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ፍርያት ነዳዲ ወርሒ ነሓሰ መስተኻኸሊ ዕላዊ ገይሩ፡፡
ብመሰረት እዚ መሸጢ ዋጋ ፍርያት ቤንዚል፣ ፃዕዳ ናፍጣ፣ ኬሮሲንን ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲን ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ቀሊል ፀሊም ናፍጣ ብሊትሮ 127 ነጥቢ 22 ብር ከምኡ እውን ከቢድ ፀሊም ናፍጣ ብሊትሮ 124 ነጥቢ 55 ብር ጥራሕ ንኽሽየጥ ከዝወሰነ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ወንድሙ ፍላቴ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡
መዕደሊ ነዳዲን ኩባንያታትን ኣብ ውፅኢታት ነዳዲ ብኣዋጅ ዕድጊትን መምርሒ ኣሰራርሓን መሰረት ብምግባር እቲ ውሳነ ተግባራዊ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!