Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ጊቤ ሰለስተ 3 ሺሕን 210 ቶን ዓሳ ተገፊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ 2017 በጀት ዓመት ኣብ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ጊቤ ሰለስተ 3 ሺሕን 210 ቶን ፍርያት ዓሳ ተረኺቡ፡፡

ኣብ ቢሮ ሕርሻ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ዳውሮ ሓላፊ መምርሒ ሃፍቲ ልምዓት እንስሳትን ዓሳን  ኣስፋው ጮራሞ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ዞባ ካብ ቃላይን ካብ ዝተፈላለዩ ማያዊ ኣካላት 4 ሺሕ 200 ቶን ስጋ ዓሳ ንምፍራይ ተሓሲቡ 4 ሺሕን 111 ነጥቢ 6 ቶን ዓሳ ፈርዪ።

ካብ ሞንጎ እዚ 3 ሺሕን 210 ቶን ፍርያት ዝተረኸበ ኣብ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ጊቤ ሰለስተ ዝፈጠረ ሰብ ስራሕ ቃላይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ቃላይ 160 መናእሰይ ኣብ ዝተፈላዩ ማሕበራት ተወዲቦም ዓሳ ኣብ ምፍራይ ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.