ልኡኻት ሕቡራት መንግስታት፣ ኣምባሳደራትን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን መቐለ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኻት ሕቡራት መንግስታት፣ ኣምባሳደራትን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን ናብ ከተማ መቐለ ኣቲዮም፡፡
እቶም ልኡኻን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንበፅሑ ዋና ፈፀምቲ ስራሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እተ በዓል ሓደራ ምምሕዳርን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ልኡኻን ሕቡራት መንግስታት ካብ ሎሚ መዓልቲ 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ኣብ ከተማ መቐለ ከካይዱ እዮም።
እቶም ልኡኻን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ተወከልቲ ሲቪል ማሕበረሰብን ክዛተዩ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኣብጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ተመዛበልቲ፣ ከይዲ ዲዲኣር ከምኡ እውን ጉዳይ ሰላም እቲ ክልል ልዝብ ካብ ሞንጎ ዝግበረሎም ጉዳያት ይርከቡዎም።
ብግዛቸው ግርማዬ