Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ንሕሙማት ኩላሊት ደገፍ ሕክምና ክገብር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕብረተሰብ ንሕሙማት ኩላሊት ደገፍ ሕክምና ክገብር ትካል ግብረ ሰናይ ዳያሊሲስ ሕሙማት ኩላሊት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ሕሙማት ኩላሊት ንቕለ ተኸላ ክሳብ ዝገብሩ ንሕፅበት ኩላሊት (ዲያሊሲስ) ዘድልዮም ወፃኢታት ንምሽፋን ደገፍ ክገብር ምፅንሑ ገሊፁ፡፡

እቶም ሕሙማት ንቕለ ተኸላ ንኽገብሩ ግንዛበ ናይ ምውሃብ ስራሕቲ ዝተሰርሑ እንትኾን ኩላሊት ዝህቡ ሰባት ብዘይምህለዎም፤ መብዛሕትኦም ሕሙማት ብሰንኪ ሕፅረት ለገስቲ ኩላሊት ኣብ ዓብዩ ፀገም ይርከቡ።

እቲ ትካል ዝህቦ ደገፍ ብሰንኪ ልዑል ወፃኢታት ግልጋሎት ሕክምና ናብ ብዙሓት ሕሙማት ክበፅሕ ከምዘይከኣለ ኣፅንኦት ሂቡ።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ንሕሙማት ኩላሊት ዘድሊ ድጋፍ ክገብር ፃውዒት ቀሪቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.