ኣብ እዋን ክራማት 50 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ፍሪያት ናብ ግዚያዊ መኽዘን ክኣቲ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ክራማት 2017/18 ዓ.ም 50 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ፍሪያት ናብ ግዚያዊ መኽዘን ንምእታው ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ድልውነትን ኢትዮጵያ።
ልኡላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ካብ መንጎ ዝተቐመጡ ሸቶታት ዓቕሚ ምዕባይ ግዚያዊ መኽዘን እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሽፈራው ተኽለማሪያም(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ብፍሪያት ግብርና ተመዝግቦ ለውጢ ዓቕሚ ግዚያዊ መኽዘን እዋን ሓደጋ ብምዕባይ ርኡይ ኣስተዋፅኦ የበርክት ከምዘሎ ገሊፆም።
መንግስታት ክልላት እውን ዓቕሚ ግዚያዊ መኽዘን ክብ ብምባል ዕለታዊ ደገፍ ንዘድልዮም ዜጋታት ዘቕርብሉ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ብመሰረት እዚ ግዚያዊ መኽዝን እኽሊ ዓቕሚ ፍሪያት ኣዝርእቲ ምዕባይ ዘኽአል ናይ 3 ቢሊየን በር ደገፍ ገንዘብ ንክልላት ከምዝተውሃበ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!