ኣብ ክልል ትግራይ በዓል ኣሸንዳ ብድሙቕ ኩነታት ንምኽባር ቅድመ ምድላዋት ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ በዓል ኣሸንዳ ብድሙቕ ኩነታት ንምኽባር ቅድመ ምድላዋት ይሳለጥ ኣሎ ኢሉ ቢሮ ቱሪዝም ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡፡
ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ቢሮ ቱሪዝም ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኢትዮጵያ ሕሉፍ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልኦ፤ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዩኒስኮ ንክምዝገብ ዝተፈላለዩ ቅድመ ምድላዋት ምክያዱ ብምሕባር÷ እቲ በዓል መዓልቲ ነፃነት ደቂ ኣንስትዮ ብምዃኑ ኩለን ኣዋልድ ወቂበንን ማዕሪገንን ዘሕልፋሉ እዋን እዩ፡፡
ከምኡ እውን በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ ዝኽበር በዓል ብምዃኑ÷ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን ካብ ካሊእ እዋን ንላዕሊ ብድሙቕ ኩነታት ንኽካየድ ቅድመ ምድላዋት እናተካየደ ይርከብ ኢለን፡፡
እቲ በዓል ካብ 16 ክሳብ 18 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ዝካየድ እንትኾን፤ ብፋላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ በዓል ኣሸንዳ ዓርሰንን ጥዕነአንን ንክሕልዋ ዝተፈላለዪ ግንዛበ መውሀቢ ዘተ ፓናል ምክያዱ ወሲኸን ሓቢረን፡፡
በዓል ኣሸንዳ እንትኽበር ውድድር ጉያ፣ ቁንጅና ውድድር፣ ኣምባሳደር ኣሸንዳ፣ ኢግዚብሽ ባዛርን ካርኒቫል ምርኢት ደቂ ኣሸንዳን ከምዝተዳለወ ገሊፀን፡፡
በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካውን እውን ናይ ባዕሉ ዓብዩ እጃም ኣለዎ ክብላ ተዛሪበን፡፡
ከምኡ እውን ኣብ ቅድመ ምድላዋት እቲ በዓል ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ክካየድ እዩ ኢለን፡፡
ብሚዛን መኮነን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!