ፕሬዚዳንት ታዬ ብሕልፈት ህይወት ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ህይወት ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን፥ ህቡብን ተፈታዊን ናይ ኪነ ጥበብ ሰብ ደበበ እሸቱ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ዝተሰመዐኒ ዓምዩቕ ሓዘን እገልፅ ኢሎም።
ኣርቲስት ደበበ ንዝፈትዋ ሃገሩ ኢትዮጵያን ህዝባን ብዝነበሮ ዓምዩቕ ፍቕሪ፣ ንኪነ ጥበብ ምዕባለን ንምምዕባል ፍልጠትን ብዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ እንትዝከር ክነብር ኢዩ ኢሎም።
ህይወቱ ንሓቂን ጥበብን ዝሃበ፣ ንትውልዲ ኣርኣያ ዝኾነ ዓብዪ ሰብ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኪም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!