Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ብዝሐሸ ትግሃትን ቆራፅነትን ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩሎም ኣመራርሓን ኣባላትን ብዝሐሸ ትግሃትን ቆራፅነትን ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ሴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፡፡

ዋና ጽ/ቤት ፓርቲ ብልፅግና ገምጋም ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ከምኡ እውን ትልሚ በጀት ዓመት 2018 መድረኽ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ በጀት ዓመት 2017 በኹሉ መዳይ ናይ ትግሃትን ዓወትን ዓመት ነይሩ።

መላእ ኣመራርሓን ኣባላትን ፓርቲ ብዝተሓባበረ ቅልፅም ተናቢቦም ብምትገሆም ብዙሓት ዓወታት ተመዝጊቦም ኢሎም።

ኣብ 2017 ዓ.ም ዝተሰርሑ ስራሕቲ 3 ዋና ዋና ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር÷ ንሳቶም እውን ምጉልባት ጥንካረ ውስጠ ፓርቲ፣ ምርግጋፅ ምትሕብባር ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ከምኡ እውን ተረባሕነት ሃገርን ህዝቢንምርግጋፅ ምኽኣል ኢዮም ኢሎም፡፡

ህዝቢ ብልምዓት ተቀምቲ ንኽኾኑ ዝተሰርሑ ተግባራት ውፅኢታዊ ከምዝነበሩን ኣብ መዳይ ሰላምን ምርግጋእን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብብርኪ ሃገር ኣንፃራዊ ሰላም ክዓስል ከምዘኽአሉ ምዝራቦም እቲ ፓርቲ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡

በጀት ዓመት 2018 ፍሉይ ዓመት ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ኣደም፥ ኩሉ ኣመራርሓን ኣባላትን ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ካብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ብዝሐሸ ትግሃትን ቆራፅነትን ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.