ተገበረ መመሓየሺ መሃያ ፅዕንቶ ናብራ ሰራሕተኛ መንግስቲ ንምቅላል ልዑል ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮንፌዴሬሽን ማህበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጵያ ዝተገበረ መመሓየሺ መሃያ ፅዕንቶ ናብራ ሰራሕተኛ መንግስቲ ንምቅላል ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሉ፡፡
ፕሬዚዳንት እቲ ኮንፌዴሬሽን ኣይተ ካሳሁን ፎሎ ከምዝበሉዎ፤ መንግስቲ ብምኽባር ናብራ ቀጥተኛ ተጎዳእቲ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኩነታት ኢኮኖሚ ብምፅናዕ ዝሃቦ ምላሽ ዝነኣድ ኢዩ።
መንግስቲ ካብ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ንምግባር ዝሓሰቦ መመሓየሺ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብቀዋሚ ኣታዊ ንዝመሓደሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣንፃራዊ እፎይታ ዝህብ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ መመሓየሺ ብትሑት መሃያ እናሰርሑ ዝርከቡ ቁፃራት ፅዕንቶ ናብራ ንምቅላል ልዑል እጃም ክህልዎ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
እቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ መሃያ ኣብ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ንኽውዕል በቢብርኩ ዘሎ ስርዓት ንግዲ ጥንኩር ቁፅፅር ክግበር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ብሞሊቶ ኤሊያስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!