ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ሰነድ ስምምዕነት ብፅሒት ኮምፕሌክስ መፍረዪ ዘበናዊ ዱኽዒ ተኸቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ሰነድ ስምምዕነት ብፅሒት ኮምፕሌክስ መፍረዪ ዘበናዊ ዱኽዒ ተኸቲሙ።
እቲ ክታም ስምምዕነት ኣብ መንጎ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ዳንጎቴ ግሩፕን ኢዩ ተፈፂሙ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናብ ውሕስነት ምግብን ሽግግር ግብርና ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ሓደ ካሊእ ምዕባለ በፂሕና ኢሎም።
ሎሚ ኣብ መንጎ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ዳንጎቴ ግሩፕን ሰነድ ስምምዕነት ብፅሒት ኮምፕሌክስ መፍረዪ ዘበናዊ ዱኽዒ ተኸቲሙ ኣሎ ኢሎም።
2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ፈሰስ ዝግበረሉ እቲ ሜጋ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት ክሳብ 3 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ድኹዒ ዘፍሪ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ካብ ቀዳሞት ኣፍረይቲ ካብ ዝበሃሉ ሓንቲ ክትከውን ከምዝገብራ ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ብምግላፅ፥ ንዘበናት ንዝተፈተኑ ሓረስቶት ዘተኣማምን ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ብምርግጋፅ ንመገዲ ልእላውነት ምግቢ ወሳኒ ስጉምቲ ምውሳድና ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ መልላእ ኣህጉር ኢትዮጵያ ዘለዋ ተወዳዳሪነት ብምጥንኻር ህዝብናን ፅባሕናን ዝረብሑ ስትራቴጂክ ኢንቨስትመንታት ናይ ምክያድ ፅኑዕ ቅዋምና ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ኣረዲኦም።