Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን900 ሺሕን 702 ተምሃሮ ኣገልግሎት ምግብና ንምሃብ ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2018 ዓ.ም ን900 ሺሕን 702 ተምሃሮ ኣገልግሎት ምግብና ንምሃብ ምድላው ተገይሩ ኢሉ ኤጀንሲ ምግባ ምምሕዳር እታ ከተማ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ስንታየሁ ማሞ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልኡ፥ ኣገልግሎት ምገባ ኣብያተ ትምህር ተምሃሮ ትምህርቶም ብግቡእ ንክከታተሉ ዝገብር ኢዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ንከይተርፉ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንኣእምሮኣዊን ኣካላውን ዕብየቶም እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንዝርከቡ 840 ሺሕን 585 ተምሃሮ ኣገልግሎት ምገባ ከምኡውን ን1 ሚሊየን ተምሃሮ ቀረብ ናውቲታት ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ኣብ 2018 ዓም እውን ልዕሊ 10 ሚሊየን ብር ከምዝተሰለዐ ብምግከላፅ፥  ን900 ሺሕን 702 ተምሃሮ ኣገልግሎት ምግብና ንምሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.