Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተሃነፁ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት መሪቖም ከፊቶም።

ብመሰረት እዚ ኣይተ ኣደም ኣብ ከተማ ሃዋሳ ቤት ፅሕፈት ፈር ፓርቲ ብልፅግና ክፍለ ከተማ ዳካ በዓል 5 ደብሪ ሀንፃን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ብምምራቕ ኣገልግሎት ኣጀሚሮም።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ደስታ ሊሌዳሞን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና  ቢቂላ ሁሪሳን (ዶ/ር)ን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም።

እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተሳለጡ ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ብጥላሁን ይልማ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.