ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዕዙዝ ግደ ዘለዎ ኪን-ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ጉዕዞ ጥበብን ባህሊን ኪን-ኢትዮጵያ ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ሩሲያ ዝግበር ካልኣይ ጉዕዞ ኪን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲን ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ምስ ሻኩራ ፕሮዳክሽን ብምዃን መግለፂ ሂቦም።
ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብቲ መግለፂ ከምዝበሉዎ፤ ጉዕዞ ጥበብን ባህሊን ኪን-ኢትዮጵያ ፀጋ ኢትዮጵያ ብልክዓ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ኢዩ።
ከምዚ ዝበለ ጉዕዞ ጥበብን ባህሊን ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ስራሕቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኣድለይቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ኢዩ ኢሎም።
ቅድሚ ሕዚ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ቻይና ፃንሒት ዝነበሮ ኪን- ኢትዮጵያ፤ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ብህዝቢ ምስ ህዝቢ ንኽጠናኻር ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ተዛሪቦም።
እቲ ጉዕዞ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ውሽቲ ሃገርን ዓለም ለኸ ሽፋን ዝረኸበ ፍፃመ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ጉዕዞ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዕድል ዝፈጠረን ቀፃልነት ዘለዎ ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ልውውጥ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
መልክዕ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ልዑል ግደ እናተፃወተ ይርከብ እውን ኢሎም።
ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ) ብግደኦም፤ 2ይ ጉዕዞ ኪን ኢትዮጵያ ካብ 4 ጳጉሜ 2017 ክሳብ 5 መስከረም 2018 ዓ.ም ኣብ ሩሲያ ክካየድ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ሞስኮ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝካይ ምርኢት ጥበብ ዝተፈላለዩ መደባት ከምዝካየዱ ብምግላፅ፤ ምትእስሳር ባህሊ ኢትዮጵያን ሩሲያንል ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!