መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መዓልቲ ፅንዓት ጳጉሜን 1 ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ፅኑዕ መሰረት ንብርትዕቲ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኸቢሩ።
ሃገር ለኸ መዓልቲ ፅንዓት ተባሂሉ ዝተሰየመ እቲ ዕለት ሓላፊት ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ሊድያ ግርማ ኣብ ዝተረከባሉ ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፌደራል ፖሊስን ማርች ባንድን ተዓጂቡ ተኸቢሩ።