ፀወታ ጎቤን ሺኖዬን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፀወታ ጎቤን ሺኖዬን ብመሰረት ባህሊን ክብሪን ኦሮሞ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ጎቤን ሺኖዬን ናብ ብርሃን ሓጋይ ንምስግጋርን ወጋሕታ ፅድያት ንምቕባልን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝካየድ ባህላዊ ፀወታ እዩ።
እቲ ፀወታ ናብ ሓዳር ዘይበቕዑ ካብ 12 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ጥራይ ዝሳተፍሉ እንትኾን፤ ቄሮን ቀሬን ብደርፊ፣ ብምብላዕን ብምስታይን ከምኡ እው፡ ህያባት ብምሃብን የኽብርዎ፡፡
ዝተመርዓዉ ሽማግለታትን ዓበይትን ድማ ንቄሮን ቀሬን በቢገዝኦም እናተቐበሉ ይምግቡዎምን ይባርኽዎምን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!