ግድብ ህዳሰ ኣብነት መላእ ኣፍሪካ ዝኸውን እዩ – ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ንመላእ ኣፍሪካ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ንክስፋሕፋሕ ኣብነት ዝኸውን እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ እቲ ግድብ ናይ ምህንድስና ስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ዕድል ክትውስን ከምትኽእል ዘርኢን ብልፅግናኣ ንምርግጋፅ ዘነቓቕሕ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ኢሉእውን ኣብ ተፋሰስ ሃገራት ሓደ ዝገብር ምሕዝነት፣ምትሕብባርን ሓባራዊ ራእይን ዘጠናኽር ምዃኑ ሓቢሮም።
ኬንያ ቀንዲ ምሕዝነት ብምዃን ምስ ኢትዮጵያ ምጉዓዛ ቀፂላ እያ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፕሮጀክት ሓንቲ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ መግለፂ ፓን-ኣፍሪካኒዝም ምዃኑ ኣልዒሎም፡፡
እቲ ግድብ ናይ ኣፍሪካ መሪሕ ዝኾነ ህንፀት ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ዘለዓዕል እዮ ኢሎም፡፡
ሰፊሕ ተሓዳሲ ዓሙቕ ዓቕሚ ዘለዋ ቁፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምውሳኽን ኣብ ከተማታት ምኽንያት ምስፍሕፋሕ ድልየት ኢነትጂ እናወሰኸ ምምፅኡ ሓቢሮም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!